ዓመተ ዘብ ዘብ: ስነ-ጥበባዊ ትንታነ ንግጥመ ዜማ ድምጻዊ ኣቦና ተኽለንኬል ገብሩ “ ዘብ ዘብ”: ኪሮስ ዮውሃንስ

መተ ዘብ ዘብ

ስነ-ጥበባዊ ትንታነ ንግጥመ ዜማ ድምጻዊ ኣቦና ተኽለንኬል ገብሩ “ ዘብ ዘብ”

1ይ ክፋል

ድሮ እኳ እዛ ሕደት መዓልታት ኣልዕልናላ ዘሎና ዓመተ 2019 መዓልታታ ዘብ ዘብ ክብላ ጀሚረን ኣለዋ። ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ከኣ ኩሉ’ዩ ዘብ ዘብ’ዩ ዝብል። ንፋስ ዘብ ዘብ ይብል። ዓለም ዘብ ዘብ ትብል። ቀዝሒ ዘብ ዘብ ይብል። ናብራ ዘብ ዘብ የብል ወይ ይብል። ሰብ ከኣ ዘብ ዘብ ይብል። ስነ-ጥበባዊ ዘብ ዘብ ይብል። ዜያሚ ዘብ ዘብ ይብል። ኣየር ዘብ ዘብ ይብል። ፖለቲካ ዘብ ዘብ ይብል። ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘብ ዘብ ይብል። ፕ/ሚ ኣብይ ዘብ ዘብ ይብል። ኢሱ ዘብ ዘብ ይብል። መራሕቲ ወያነ ከኣ ዘብ ዘብ ይብሉ። ግዜ ዘብዘብ ይብል።

ቅድሚ እቲ ዜያሚ ነቲ ጎደና ኢየ ኣለሌዮ። ዘዕበየኒ ጎደነታት ስለ ዝኾነ ንነውሕ ዓመታት እኳ እንተተፈለኽዎ ቆብ ኣቢለዮ። እግሪ ዓቀብ ሼል፡ ማኪላይስ፡ ጎደናታት መኖፖልዮ ፡ ማይ ጃሕጃህ ከዚንዎ ዘሎ ናይ ግዜ ቁልዕነትና ዝኽሪ ሕንጥጥ ዊዕልካ ዝውዳእ ኣይኮነን። ኣብዚ ጎደና ኮይኑ ግና ኣቦና ድምጻዊ ተኽለንኪኤል ገብሩ ( ወዲ ገብሩ) ዘብ ዘብ ክብል ተዓዚበ። እዋኑ እዋን ዘብ ዘብ ሙዃኑ ክእምት ዝደልየ ዶ ይመስል? ግጥምታት እቲ ዜማ በብሓደ ክፈትሎ ምስ ጀምርኩ ግና ብውስጠ-ዘ ዝጠስጠሰ ኮይኑ ረኺበዮ። ኣብ ኣእሙረይ ድማ ሕቶታት ክድኩን ግዜ ኣይወሰደሉን። ስነ-ጥበባዊ ህቡብ ናይ ትግርኛ ዘያሚ ወዲ ገብሩ ( ዕድሜኦም ኣብ ግመት ኣእቲኻ ኣቱም ክበሃሉ እኳ ቅቡል እንተኾነ ጽሑፈይ ብወዲ ገብሩ ክቅጽል ኢየ)፡ ነዛ ሓዳሽ ነጸላ ግጥመ ዜሙኡ “ ዘብዘብ” ኣብዛ ሓዳሽ ዓመት ድርብይ ኣቢሉና ኣሎ’። ኣብ ውሽጣ ኣቲና ከኣ ሓኸልኣ ክንፍትሽ ድማ ናትና ግደ ይኸውን። ብስነ-ጥበባዊ ኣዕንቲ ከተማዕድዋ ከሎኻ ድማ ስነ-ጥበባዊ ትርጉማት እንዳሰቆርካ ስለ ተንበባ፡ ናትካ ዝኾነ ኩርናዕ ስለ ትጥምት ካብቲ ናይ ስነ-ኣእሙሮ ሙሁራት “ subjective bias” ነጻ ኢየ ኢልካ ንነብስኻ መጉትካ ከተእምና ይኸብድ። ስለዚ ስነ-ግጥሚ ከኣ ከም ኣነባብኻ ስለ ዝኾነ፡ ኣቦና ድምጻዊ ተኽለንኪኤል ገብሩ (ወዲ ገብሩ) ቂር ኣይብሎምን ይኸውን ኢለ ተስፍ ይገብር። ቅድሚ ሕጂ ናይ ድምጻዊ ወዲ ትኳቦ “ ይገርመና ኣሎ” ናተይ ትንተና ምስ ሃቡኩ ወዲ ኣትሒዝካዮ/ኣኣሲርካዮ ዝብሉ ብ ኢ-መይል ሊኢኾሙለይ ነይሮም። ኣምላኽ ጡዑም ኢዩ ወዲ ትኳቦ ብሰላም ካብታ ዓዲ ምውጹኡ ድማ እፎይ ኢለ።

ኣሳጉማይ ወሲኸሉ ዘብዘብ
ገና ኣለኹ ገና ዘሎ ይተዓዘብ

ሚዶ እንታይ የድሊ ንበራሓት
ምኽሪ ኣይድልየን’የ ካብ ፈራሓት
ክቅጽል’የ ብዘሎኒ ብልሓት
ዓባሩ እምበር ኣይረኣኹን ስቡሓት

ወዲ ገብሩ ንምንታይ ኢዩ “ ዘብዘብ” ዝብል ቃል ተጠቂሙ ዝብል ሕቶ ክንምልስ እንተኾይነ ምስቲ ዘሎ ኩነተ ሃገርና ከነተሓሕዞ ግድነት ይኾነኒ። ብኣካይዳ ‘ጎብየ’ ጎሰስ ከብልና ዓመታት ዘቁጸረ ስርዓት ኢሰያስ፡ ሃንደበት ኣብ ዓመተ 2018 ማርሻ ቀይሩ ናብ “ ማንቲለ” ከም ዝጸረየ ኩልና ኣስተውዕልናሉ ኢና። እቲ ናህሪ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ስለ ዝኸደ ድማ ኢሱ ኣብ ኣዲስ ልቡ ሰተት ክሳብ ትብሎ ክቆጻጸሮ ዘይክል ስምዒት ካብ ገጹ ከንብብ ኣስተንኪሩና ኢዩ። ኣብ እርጋኑ ብ ሓድሽ ፍቕሪ ከም ዝተለኽፈ ንመንገዲ ኣዲስ ማይ ክዖ ኣውጺኡሉ ኢዩ። እቲ ድሕሪ ሓምሳ ዓመታት ዝርኤ ተርእዮም “ middle age crisis) ኢልና እኳ ዕሽሽ ኢልና ከይንሓልፎ፡ ነታ ሓምሳ ካብ ዝሰግራ ዓስርተታት ዓመታት ኣቁጺሩ ኢዩ። ስለዚ እዛ “ ዘብዘብ” ሓቁፋቶ ዘላ ውስጠ-ዘ ቀሊል ኣይመስለንን።

ሚዶ እንታይ የድሊ ንበራሓት
ምኽሪ ኣይድልየንን ካብ ፈራሓት

ወለዶ ጎተና ሚዶ የዝውትር ከም ዝነበረ ሩዱእ ኮይኑ ሚዶ ምውናን “ሓለፋ” ዲዩ ነይሩ ኣይፈልጥን። ሚዶ ግና ክንየው ጸጉሪ ርእሲ ምብንጫር መጸብቂ ወይ መመላኽዒ እውን ትዝውትር ነይራ ኢያ። “ ነዊሕ ጎተናኻ በዓል ሚዶ” ዝብል ቅጥመ ዜማ እውን ኣሎ መሰለኒ።

ሚዶ እንታይ የድሊ ንበራሓት
ምኽሪ ኣይደልንየ ካብ ፈራሓት

ነዘን ክልተ ነግሔ ብጡሙር እንተፈቲሽናየን “ እታ ሚዶ” ዝያዳ ናብ “ መጋየጺ” ወይ እውን ሓለፋ ኢያ ተዘንብል። እቲ ኸመይ ንኣብነት ወዲ ገብሩ ነዛ ግጥመ-ዜማ ሰሪሑ ምስ ወድኤ፡ ከም ኩሉ ስነ-ጥበባዊ ንገለ ስነ-ጥበባዊያን ኣርእዮም እንተኾይኑ፡ ግብረ መልሲ ክትስእል ኣይጽግመካን።

“ እንታይ ኣእትዩካ ናይ ፍቕሪ ደርፍካ ዶ ጣይታኻ ተራጉድ፡ ኣብ ግዜ እርጋንካ እንታይ ጠንቀምቀም ኣበለካ? ጽባሕ ኣብ ዓድኻ መቃብር ክትስእን ዲኻ ደሊኻ? “ ዝብሉ ምኽርታት ፈይ ዘበሉሉ ኢዩ ዝመስል። “ ምኽሪ ኣድይደልንየ ካብ ፈራሓት” ካብ ባዶ ተበጊሱ ሰቁርዋ ክትብል ይኸብድ።

ኣብ ግዜ ዕብየትካ ኸኣ ጽቡቕ ሽምን ታሪኽን ገዲፍካ ኢኻ ትሓልፍ እምበር ንሓቂ ዓቢጥካ፡ እንዳተመሳሰልካ ግቡዝ ኮይንካ ምንባር ዳርጋ ብደውካ ከሎኻ መቃብርካ ምርኣይ ስለ ዝኾነ ወዲ ገብሩ ከምዘይውዕሎ ኢዩ ኣተንብህ ኣቢሉልና።

ወዲ ገብሩ ግና ኣብዚ ደው ኣይበለን። ኣብተን ዝቅጽላ ክልተ ነግሔታት ነቲ ሓቂ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት ብሓጺርን ውሩቅን ቃላት ገሊጽዎ ኣሎ።

ክቅጽል ኢየ ብዘሎኒ ብልሓት
ዓባሩ እምበር ኣይረኣኹን ስቡሓት

ወዲ ገብሩ ንስነ-ጥበብ ኣብ ለዓቱ ክምለሶ ከሎና ንዕዘብ። እዚ ኣገላልጻ እዚ “ብልሒ” ዝመልኦ ኣገላልጻ ኢዩ። ኣብ ቅድሚ ኣዕንትና “ ዓባሩን/ ስቡሓትን” ጠለ-በጊዕ ክስእለልና ኣይጸገሞን። ክንየው እንስሳታት ግና ኣብ ሰባት ከም ዝውዕል እውን ንምእማቱ ዘጸገም ኣይኮነን። ሓደ ስነ-ጥበባዊ ድማ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ከም ዘለዎ ሲኢሉ ሳምዕ ኮይኑ ክምስክር ኣለዎ። እዚ ነቶም ንዙረት ኢሎም ንዓዲ ዝኸዱ እሞ ብኣዕንቶም ንህልው ናብራ ህዝብና እንዳረኣዮን እንዳሰምዑን “ ጽቡቕ” ኣሎ ዝብሉ ሰብ ዲያስፖራ ዓቢ መልእኽቲ ኢዩ። ስለዚ ወዲ ገብሩ ብውሕልነት ቃላት ምስክሩ ሂቡ ኣሎ።

ዓመተ ዘብ ዘብ (ካልኣይ ክፋል)

ወዲ ገብሩ ነታ ካልኤቲ ገዛ ግጥመ-ዜሙኡ ብውሕሉልን ዓሙቁን ቃላት ኢዩ ደኩንዋ።

ሕጂ ግና ሓሊፈዮ ሱሳ
ካብ ቀደመይ ዘይብለይ ኣበሳ
እንታይ ዝፈልጦ ኣሎኒ ብጀካ ንሳ
ቆላ ዓደይ እንኮላይ ከበሳ
ኤርትራ ንሳ

ወዲ ገብሩ “ሚዶ እንታይ ይደሊ ንበራሓት” ኢሉ ክጅምር ከሎ ዜሙኡ: ኣብዛ ካልኤቲ ገዛ ቀዳመይቲ ነግሔ መብርሂ ይህበና ኣሎ። “ ሕጂ ግና ሓሊፈዮ ሱሳ” ሕመረት መልእኽቱ ከኣ ቀደም እኳ ተመሳሲለ ዘይሓለፍክዎስ ሕጂ ኣብ ግዜ እርጋነይ ንድሕሪት ክምለስ ዝብል ዘሎ ዝመስል። ኣስዕብ ኣቢሉ እውን “ ካብ ቀደመይ ዘይብለይ ኣበሳ” ብምባል ስነ-ጥበብ ዘሰከሞ ሕልናዊ ሓላፍነት ብግቡእ ከም እተዋጽኦ ንባዕሉ ሳምዕ ኮይኑ ይቀርብ ኣሎ። እታ ዝምርሓላ ስነ-ሓሳብ ከኣ ቆላን ከበሳን ዝሓዘት ሓንቲ ኤርትራ ትብል ሙዃና ኣብዛ ግጥመ ዜማ ኣሚቱልና ኣሎ። ስለዚ ኩነታት ዝተፈላለየ መልክዓት ሒዞም ይምጹኡ፡ ማዕበል ይጋማዳሕ፡ ኤርትራን ኤርትራውነት ግና ዘንተ ዕለት ነብርቲ ሙዃኖም ዘስመረሉ ይመስል።

እዛ ገዛ ግና ኣብ ውሻጢኣ ሰቲራቶ ዘላ ውስጠ-ዘ ከይፈተሽካ ምሕላፍ ዝከኣል ኣይመስለንን። እቲ ከመይ ወዲ ገብሩ “ ሱሳ” ኢሉ ምጥቃሱስ ሕጂ ዘለዎ ዕድመ ጥራይ ንምምልካት ዶ ይኸውን? ሕጂ ግና ሓሊፈዮ ሱሳ ዝእምቶ ነገር ኣለዎ ዶ ይኸውን? እቲ ከመይ “ ጉዕዞ ሱሳ” ሓሊፍናስ “ ተስዓ” በጺሕናስ እታ ቆላን ከበሳን ዝሓዘት ሓንቲ ኤርትራ ብድምጺ ህዝቢ ሃገር ኮይና እንዲያ ክብል ትጽበዮ ነገር ኢዩ።

እንታይ ዝፈልጦ ኣሎኒ ብጀካ ንሳ
ቆላ ዓደይ እንኮላይ ከበሳ
ኤርትራ ንሳ

ወዲ ገብሩ እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተጠኒሱ ዘሎ ጥጅእ “ ኣግኣዝያን” ይኹን “ ደግሲ ደርጋውያን” ሕጂ እውን ከም ትማሊ “ ኤርትራ ሓንቲ ንሳ” ኣይትግማዕ ኣይትምቀል ብዝብል ሰውራዊ መትከሉ ፈልከት ከምዘይበለ- ቃላቱ ምስክር ኢዩ ንባዕሉ።

ናብታ ናይ መወዳእታ ገዛ ግጥመ ዜማ “ዘብ ዘብ” ምስ እንስግር ምስ ታሪኽ ፊት ንፊት ኢና ንፋጠጥ። ኣብዚ እዋን ኢሰያስ እንተስ ናይ ቆልዓ ሕልኽ ወይ እውን ነይርዎ ኡሉኽ ነታ ጸይራቶ ዘላ ሃገር ምሳር ገይሩ ክቆርጽ ላዕልን ታሕትን እንዳበለ ዘብዘብ ወሲኹሉ ኣሎ። እዚ ኩሉ ሕቑንቁን እንታይ ክወልድ ኢዩ? ኣብ ውሽጢ 2019 ክንርእዮ እኳ እንተኾና፡ ታሪኽ ኣብ ቅድሚ ኣዕንትና ተቂዱዱ ክስፈን ክስንዓን ንጥምት ኣሎና። ታሪኽና ድማ ብኣፍ እቶም ገዛእትና ዝነብሩ ደርጊ ተገምጢሉ” የኤርትራ ጉዳይ” እንዳተባህለ ይንገረና ኣሎ። ሎሚ እኮ ታሪኽ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ክትሰምዕ እንተደሊኻ፡ እቶም ምሱኡ ኣብ ሓደ ግንባር ዝዓረዱ እሞ ደመኛታት ጸላእቲ ኤርትራ ኣፉ ኣውጺኦም ከዘንትው ፡ እቶም ደገፍቲ ተረፍ መረፍ ደርጊ ድማ ቋንቋና እንዳተዛረቡ ስምዑ ክብሉና ንሰምዕ ኣሎና። ገና ሬሳ ስውእ ኣብራሃም ተወልደ ንቡር ቀብሪ ከይረኸበ ድማ ብኣፉ ዳዊት ወልደገርግሽ ኣብ ኤርትራ ናይ ደርጊ ወታደራት መዘከርታ ሓወልቲ ይሰራሕ ክብል ዘስደምም ነገር ኣእዛና ይሰምዓ ኣለዋ። ሙኳን ከኣ ሓውልቲ ቡሽክን ኣብ ማእከል ከተማ ክድኩን ዘይሓፈረ ስርዓት፡ ንደርጊ ብህይውቱ ከየመልሶ ኢዩ ስግኣትና እምበር ሓውልቲ እንተደኮነስ ክንግረም ኣይኮናን።

ከዕልለኩም ቀንዲ ሕመረቱ
ታሪኽ ኣሎ ንታሪኽ ከዘንቱ

በዓል ታሪኽ ብህይወቱ ከሎ ካልእ ታሪኽ ክስናዕ ናይ ሞት ሞት’ዩ-ንዝርድኦ። ታሪካ ብግቡእ እንተዘይፈሊጥካን ኣብ ለዓት ታሪካ ደው እንተዘይልካ ድማ ዘርባዕባዕ ክመጽእ ግድነት ኢዩ። እታ ትማሊ “ ኤረየ ኤረና ከተማታት ኮይኑ መዓስከርና ዘዝየመት ልሳን ግዲ “ ዘመነ ኣምሓራ” ትቀላቀል ኣላ ተባሂላ ክትመሳሰል ተሓቁና ካብ ከናፍራ ኣምሓርኛ ከተውጽእ ዝተጻዕረት መልሓስ እኮ ሪኢና ኢና። ትማሊ “ ዋርሳይ እዞም ሰባት መን ኢዮም? ዝበለት መልሓስ ግምጥል ክትብል ኣዕንትና ተዓዝበን ኢየን። ቅድሚ ዝኣገረ እኮ ናስትሮኦም ኢዩ “ ዘማች ተቀሊያ ንኣሞራ፡ ቻ በሎ ንዓወሽ በሎ” ኢላ ጽልኢ ከተውርስ ህርግድ ዝበለት። ሎሚ ኸኣ “ ፍቅር ያሽነፋል፥ ተደምረናል”እንዳበለት ኣብ ሓደ ዳስ ከተኹድድ ኣበየናይ ቀመር ታሪኽ ኢኻ ክተስቁራ ትኽእል? ዘይወግሕ መሲልዋስ መሲልካ ሕልፍ ምባል ይምረጽ።

ሴፍ ዶ እንዳ ጎራዴ ይኣቱ
ኣይህውትትን ኢየ ምስቶም ዝሃውተቱ

እምበር ህውተታ። ኪንቲን ዝኾነ ግዜ ኣርኪብናሲ ፖለቲኮም መትሕዝን መጨበጥን ሲኢናሉ ኣሎና።

“ሴፍ ዶ እንዳ ጉራዴ ይኣቱ?” እዛ ነግሔ ክፈትሓ ኣይከኣልኩን። ሰቲራቶ ሰላ ሚስጢር ዓቢ’ዩ ክብል ይደፍር። ስለዚ ግምታተይ ኢየ ወስ ከብል። ክንዓቢ ከሎና ኣብ “ሕብረት ትርኢት”-ኣብ ግዜ ደርጊ ማለተይ ኢየ- ሕልፍ ሕልፍ ኢሎም ዘምጽእዎም ደረፍቲ ነይሮም። ኣካኪ ዘራፍ ዝብሉ-ኣርበኞት። ከይዶም ከይዶም ከኣ ናብ ጉንበት 7 ኢዮም ጸርዮም። ሎሚ ከኣ ጉንበት 7 ንጉንበት 24 ብሕጓ ኣትያ ከይተውጽኣ ኣብ ግብግብ ኣላ። እዞም ኣርበኞች ከኣ “ሴፎም” እንዳንፈጥፈጡ “ ኣትንኩኝ “ ዝብሉ ኢዮም ዝነብሩ። ስለዚ “ ሴፍ” መግለጺ ኣርበኞት ኣብ ኢትዮጵያ እንተነይሩ “ ጉራዴ” ኣብ ኤርትራ ዝውቱር ዲዩ ነይሩ? ኣይፈልጥን። ነቶም ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ገዲፈ፡ ወዲ ገብሩ ብሕጽር ዝበለ ክልተ ዘይጋጠም ነገር ክጋጥም ህርድግ ዝብል ባእታ ስለ ዘስተባህለ “ሴፍ ዶ እንዳጉራዴ ይኣቱ” ኢሉና ኣሎ።

“ ካብ ሕጂ ንህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ ኢዩ ኢሉ ዝሓስብ ዓሻ ኢዩ” ዝብል ህውተታ ኢሰያስ ዘይርሳዕ ናይ ታሪኽ ክሕደት ኢዩ’።

ስብራ

ብርግጽ ኣብ እዋን ዘብ ዘብ እዋን ኩዳ ኢና ዘሎና። ካብ 1991 ክሳብ 2018 ኩዳና ኩዳ ኣባጎብየ ኢዩ ነይሩ። ኣብ ሓደ ዝንጊርር ብሓደ ሰብ እንዳተመራሕና “ንኺድ ጥራይ” እንዳበልና ዘፍረናዮ ዘይብልና ኣብ ጥራሕ ጎልጎል እንዳተጃሃርና ነቲ ኣብ እዋን መግዛእቲ ደርጊ ዝነበረና ሓድነትን ፍቕርን ከሲርና መንእሰያትና ፈቀዶ ፋሕ ብትን ኢሎም ኣብዚኣ ደሓን ኢና ንብልና ነገር የብልናን። ድሕሪ 2018 ከኣ እዛ ኪዳ “ ኩዳ ማንቲለ” ወሲኻ ሸንኮለል ተብለና ኣላ።ሕልምን ራኢን ኤርትራውያን ተጠሊሙ ፡ ዱቦላ ወዲቁና ኣብ ሃለውስታ ኣሎና። ወዱ ገብሩ ነዚ ዝዘንግዐ ኣይመስለንን። “ እዚ ኩዳ ኢዩ ኣብ ስብራ ኣይበጻሕናን” ክብለና ከሎ እቲ ኤርትራዊ ሕልሚ፡ ገና ከምዘይተተግብረ፡ ብሕጂ ንኸዶ ኣብ ቅድሜና ተጋዲሙ ዘሎ ጎቦ ሙዃኑ ፉሉጥ ነገር ኢዩ። ኣብ ስብራ ክንኣቱ ግና መንኮብና ንስብራ ጥራይ ዘይኮነስ “ንእምቢ ኣይግዛእን” ክንጥቀመሉ ኣሎና። እዚ ክንገብር ከኣ ንስብራና ዓትዒቱ ሒዙ ዘሎ መቁሕ ብናይ ሓባር ቅልጽም ክንስበር ክንክእል ኣሎና።

ሻሎም ደቂ ኤረ

ኪሮስ ዮውሃንስ

Print Friendly, PDF & Email

1 Comment

  1. Author

    Wedi Gebru is one among a very few Eritrean artists who has shown depth and understanding in his music. He is by far, if not the only living artist, who, from inside Eritrea, has shown the courage and wisdom to provide a scathing criticism of Eritrea’s political and social life. From his old songs ኣባ ጉምባሕ በረኻ: ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብክሉ and his latest one, ኣሳጉማይ-ዘብ ዘብ, his lyrics are insightful and edifying commentaries.
    Satires, ironies and double-entendres characterize his lyrics and, unfortunately some of his clever word-play and cultural and idiomatic nuances will be lost in translation, but I thought, even a very imperfect translation would do some good. At least, it would show how much we appreciate Eritreans who stand for what is right, but above all who speak truth to power.
    In gratitude and appreciation of Wedi Gebru, an artist who has never failed to be a much needed voice.
    ኣሳጉማይ-ዘብ ዘብ
    “ኣሳጉማይ ወሲኸሉ ዘብዘብ
    ጌና’ለኹ ጌና ዘሎ ይትዓዘብ”
    ሚዶ አንታይ የድሊ ንበርሓት
    ምኽሪ ኣይደልን እየ ካብ ፈርሓት
    ክቕጽል’የ ብዘለኒ ብልሓት
    ዓባሮ እምበር ኣይርእን ስቡሓት
    ሕጂ ግዳ ሓሊፈዮ ስሳ
    ካብ ቐደመይ ዘይብለይ ኣበሳ
    አንታይ ዝፈልጦ’ለኒ በጀኻ’ሳ
    ቖላ ዓደይ አንተላይ ኸበሳ
    ኤሬትራ’ያ ንሳ…!
    ተኽሊሚካኤል ገብሩ(ወዲ ገብሩ) “ዘብዘብ”
    ኣሳጉማይ-ዘብ ዘብ (Jogging)
    I now jog,
    On top of my walk.
    I’m still around, (in a good shape)
    And whoever is still around
    Can pay attention,
    And be aware.
    No need for a pick comb,
    For those bald men.
    I don’t need encouragement (advice)
    From spineless cowards.
    I shall keep on going,
    With whatever ingenuity I have.
    Alas,
    All I see around me are emaciated and skinny
    Never well-fed and bulky.
    Let alone that I am now past sixty;
    I never had any flaw from my early past.
    I never knew anything but her,
    The lowland and the highland,
    is my country.
    That is Eritrea.

Comments are closed.