ዂናት ስርኤል: ብ ኣክሊል ሃይሉ

ናት ስርኤል

ኣክሊል ሃይሉ

ደምበ ፍትሒ እናዓኾኸን፡ እናሰወደን፡ እናበሰለን ይኸይድ ኣሎ። እቶም፡ ኣበይ ክይበጽሕ ዝበልዎ’ኳ ከይተረፉ ድሮ ይሰናበዱን ይርዕዱን ኣሎዉ። ዝሕዝዎን ዝጭብጥዎን ጠፊእዎም ዝኾነን ዘይኮነን ሃለፍ የብሎም ኣሎ። እዚ ቃልሲ እዚ ግን ብኹሉ ወገን’ዩ ክጽቀጥ ጸኒሑ፡ እቶም ዝበዝሑ ደለይቲ ጽቡቕ ካብቲ ዘለዎም ክቱር  ሃንቀውታ እተላዕለ፥ “ዋላ ሓንቲ ኣይተሰርሐን”፡ “ብረት ኣልዒልካ ምሽምሻም’ዩ እቲ እንኮ መገዲ”፡ “10 ዓመት ምሉእ ተዛሪብና ኣየፍረናን” ወዘተ ይብሉ። በቲ ሓደ ወገን ከኣ፡ ኣይበልናንዶ ክብሉ ጥራይ ቀንፈዘው ዝብሉ፥ ዝኾነ ተበግሶ፡ ገና እናተበጋገሰ፡ ናይቲ ምልዕዓላት መወዳእታ እንተዘይርእዮሞ ወይ ይነቕፍዎ ወይ ይሕንኩልዎ። ካብ’ቶም ዓመጽትን መጋበርያታቶምን ዝመጽእ’ኳ ንቡር’ዩ፡ ዜገርም’ውን የብሉን።

እቶም መንእሰያትን እያታቶምን፡ ንኣሽቱን ዓበይትን፡ እስላምን ክስታንን፡ ብዓቢ ሓይሊ ነቶም ንዓመታት ዝደዓኽዎም ከነቓንቑ ንዝረኸብዎ ከውሒ ይፍንቅሉ፡ ካብ ምፍታን ኣይዓርፉን፡ ካብ ጌጋኦም ይመሃሩ። ንላዕሊ ገጾም ይድይቡ፡ ሓይሊ ይድልቡ፡ ይምንጉዱ።

ሎሚ እዚ ምንቅስቓስ ንፍትሒ ንኹሉ መሰናኽላት ጥሒሱ ቦሎኽ ኢሉ ወጺኡ ኣሎ። ደጊም ንቕድሚት ምሕምባብ’ምበር ንድሕሪት ምምላስ የልቦን። ሓድሽ ምዕራፍ ተገንጺሉ እዩ። ሚዛን ሓይሊ ተቐዪሩ’ዩ። ኻብ ሕጂ ንደሓር እቲ ሕቶ ናይ ጊዜ ጥራይ’ዩ። ድሮ’ውን ሎሚዶ ጽባሕ ክንብል ጀሚርና ኣሎና።

እቲ ድሮ ዝቀጻጸል ዘሎ ናይ ‘ይኣክል’ ምንቅስቓስ እውን ከም ሓዊ ተባሪዑ፡ ይላባዕ፡ ይቀጻጸል ኣሎ። በዚ ዝተሰናበዱ ከደምቲ ኢሰያስ ብሃለፍታ፡ ከምዛ ሞቱ ዝቐረበ ሰብ ናብ ደብሪ ኸይዱ “ኣታ ቅዱስ እገለ ኣቦይ ካብዛ መዓት እዞም መናእሰይ ጥራይ ኣውጻኣኒ እምበር፡ ሽዱሽተ ኤርፖርታት ክሰርሓሎም እየ” ዝዓይነቱ መብጽዓታት ጻዕረ ሞት ክህቡ ይረኣዩ’ለዉ።

ሓደ ኣገዳሲ ነገር ግን ይስሕቱ። ህዝቢ ኤርትራ ሕቶኡ ዋሕዲ ቀረብ ሕብስትን ጸባን ኣይኮነን። መድቆስቲ ዒቕ ኢልዎ በቃ ኢሉ’ዩ። እቲ ሕቶ ብዘይ ውዓል ሕደር ካብ ስልጣን ልቐቕ እዩ። ንምፍንቃሉ ኸኣ እቲ ምውድዳባት ብዓቢ ናህሪ ይኸይድ ኣሎ።

እቲ ሕቶ፡ ሕቶ ምምስራት ቅዋማዊ መንግስቲ እዩ። እቲ ሕቶ፡ ሕቶ ምቛም ባይቶና እዩ። እቲ ሕቶ፡ ሕቶ ግዝኣተ ሕጊ እዩ። እቲ ሕቶ፡ ሕቶ ሰብኣዊ መሰላት’ ዩ። እቲ ሕቶ፡ ሕቶ ምፍታሕ ቅዩዳት’ዩ። እቲ ሕቶ፡ ሕቶ ምብቃዕ ጊልያነት እዩ። እቲ ሕቶ፡ ሕቶ ምምላስ መሬት ናብ ዓድታት’ዩ። እቲ ሕቶ፡ ርትዓዊ ምምቕራሕ ሃገራዊ ሃብቲ’ዩ።

ክቡራት ደቂ ህዝበይ፡ ኣብ ዝሓለፈ 28 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ረኺቡ ክንብል ኢና፧ እቶም ንዓመታት ከርተት ኢሎም ናጽነት ሃገር ዘምጽኡ ተጋደልቲ ተደርበዩ’ምበር፡ እንታይ ዝዓይነቱ መትከል-እግርን መጣየስን ተገብረሎም፧ እቶም ክቡር ኣካላት ዝወፈዩ ስንኩላንከ እንታይ ዝበለ ሕክምናዊ፡ ኣካላዊ፡ ስነ-እእምሮኣዊ ክንክን ረኸቡ፧ ብኣንጻሩ፡ ነቲ ዘልዓልዎ ሕቶታት ምላሽ ተኹሲ ደይኮነን እተዋህቦም፧ እቶም እቲ ዝለዓለ ዋጋ ወይ ሂወቶም ዝኸፈሉኸ እንታይ ዝበለ ጻማን ክብርን ረኸቡ፧ ኣላይን ጠዋርን ዜብሎም ውሉዶምን ወለዶምንከ ኪንዮ እቲ “በጊዕ ክንሓርደሎም ድዮም ደልዮም” ዝብል ባጫን ንዕቀትን ዝመልኦ ዘረባስ እንታይ ዝዓይነቱ ሓልዮ ረኸቡ፧ ክንደይ ኢልካ’ም ክጽብጸብ፥ ክንደይ ጊዜ’ሞ ህዝብና ክታለል፧ ሕጅስ ሓፋሽ ነቒሑ እዩ። ጥበራ ውዲቱ ኣብቂዑ’ዩ። በቃ። ልቐቕ።

ብዛዕባቲ ብየማነ ጸጋም ዝወሃብ ዘሎ መብጽዓታት ግና፥ ሓደ መንግስቲ እዚ ክገብር ጽቡቕ’ዩ። ስርሑ ስለዝኾነ። እቲ ሕቶ ግን ከም ወዮ ወለድና ዝበልዎ “ክስርቀኒ ዝረኤኽዎስ ክውስኸለይ ነይኣምኖ” እዩ። እቲ ልቦም ካብ ኣመና ክሕደትን ጭካኔን ዓመጽን ናብ ዓረ ተቐይሩ’ዩ። ኣውያት ህዝቢ ኣይርድኦምን፡ እህህታ ኣቦታት ኣይስምዖምን፡ ንንብዓት ኣዴታት ሸለል ይብልዎ። ልቢ እንተዝህልዎም ኔሩ፥ ቅድም ቀዳድም ነቶም ብዘይ ሕግን ፍርድን ተዳጒኖም ዘሎዉ ኣሽሓት ዜጋታት ይቕሬታ ሓቲቶም ናጻ ምለቐቑ። ነቶም ኣብ ግዱድ ዕስክርና ከም ገላዉ ዝተቖጽሩ ኣሽሓት መናእሰይ ናይ ምፍናው መደብን ዝግበረሎም መጨምጨምታን መተምብሁ።

እዚ ዝግበር ዘሎ ላዕልን ታሕትን ዝሰልጥ ኣይኮነን። ዓቕሊጽበት ዝወለዶ፡ ህዝቢ ሓባቢልካ ንምህዳእ ዝተሃቀነ ምንቅስቓስ እዩ። ጊዜ ንምዕዳግ ዝግበር ከይተበገሰ ዝፈሸለ ጥፉሽ ፈተነ እዩ።

ቀደም ኣብ ዓድና ዝበሎ ዘይትግበር፡ ዝፈረዶ ዘይፍጸም ዳኛ ነበረ። እቶም ደቂ ዓዲ ናይ ነቲ ዝህቦ ብይን ‘ዂናት ስርኤል’ ክብልዎ ጀሚሮም። ኣብ ጽምጽም በረካ ሰብ የለ ኦም የለ፡ ሃንደበት ተኹሲ ይስማዕ፥ ግናኸ ቀታሊ የለ መዋቲ የለ፡ ተኳሲ የለ ውጉእ የለ። ለካስ እቲ ንፋስ’ዩ ተጋጭዩ ድምጺ ዘስምዐ። ነዚ ኣቦታትና ዂናት ስርኤል ይብልዎ። ድምጺ’ምበር ፋይዳ ኣይርከቦን። ሎሚ መንግስቲ ኤርትራ ጊዜ ሞቱ ከምዝበጽሐ ግዲ ተኸሲቱሉ ትልኽ እናበለ ዂናት ስርኤል ዝወልዐ’ዩ ዝመስል። ካብ ጸባ ዘይተረኽበስ ካብ ማይ ጨባ። ምስ ሓይሉ ዘይገበሮስ ኣብ ዕርበቱ። ጻዕረ ሞት!

ከምቲ ሓደ ሓው ዝበሎ “ድሕሪ ምቕባጽ፡ ምቅባጽ” ጥራይ እዩ እቲ መፍትሒ። ሕጂ፡ ጊዜ ለበዋ ኣብቂዑ እዩ። ሕጂ፡ ጊዜ ምልምማን ኣብቂዑ እዩ። ደጊም፡ ሓሪንካ ምሕናን ጥራይ’ዩ እቲ ዝግባእ። እታ ሰይፊ ደጊም ካብ ሰገባኣ ወጸት፡ ኣይትምለስን ከኣ። ተልእኾኣ ከይፈጸመት ናብ ቦታኣ ኣይትኣቱን።

Print Friendly, PDF & Email