ኣይፋል ንተሞክሮ ፍሽለት! ኣኽሊል ሃይሉ

ኣይፋል ንተሞክሮ ፍሽለት!

ኽሊል ሃይሉ

ህዝቢ ኤርትራ ገርሂ እዩ። እዚ ግርህነቱ ንህዝቢ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ብዙሕ ኣደራዕ ክወርዶ ኣሳጢሕዎ እዩ። ነገስታትን መሳፍንትን ኢትዮጵያ ዘውረዱሉ ሃስያን ራስያን ጸብጺብካ ዝውዳእ ኣይኮነን። እቲ ክሳብ ሕጂ ግዝኣት ቱርኪ እናተባህለ መመሰሊ ኮይኑ ዘሎ ናይ ቱርካውያንን ግብጻውያንን’ውን ከመይ ኢልካ ይርሳዕ፧ ድሕሪኡ’ውን በቶም ንኣፍሪቃ ክጎዛዝይዋ ዝመጹ ገዛእቲ፥ ጥልያንን እንግሊዝን፡ ብድሕሪኦም ድማ ብሃይለስላሴን መንግስቱ ሃለማርያምን ዝወረድዎ ግፍዕታት፡ ክንደይ ኢልካ ክጽብጸብ በብሓደ፧ ካብ ኩሉ ግን እዚ ናይ መወዳእታ ገደደ። ህዝቢ ኤርትራ መራሕቱ ዝጠለምዎ ውጹዕ ህዝቢ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። መዋጽኦ ይፍጠረሉ። ፈጢሩሉ ኸኣ ኣሎ፡ ብሳላ እቶም ካብ ኣምዑቱ ዝወጹ ደቁን እቲ ንፍትሒ ተረጊጻ ንሓዋሩ ክትነብር ዘይፈቅድ ሕልናኡን።

ብመጎተ ሓይሉ ዝተኣማመን ሰብ ወይ ስርዓት ደንዳኒ እዩ። ንሓይሉ ወይ ንስልጣኑ መታን ከጽንዕን ክሕሉን፡ ነቲ ውጹዕ እናመለኸ፡ ነቲ ሓቂ ሒዙ ዚምጉት ድማ “እናኣለየ” ምኻድ ከም ረቂቕ ስልቲ እዩ ዝቖጽሮ። ንሱ ከምቲ ነቕ ዘይብል ከውሒ ክኸውን ሃረር ይብል፡ ‘ተወሓደ ኸኣ መሲሉ ክረአ ቀዳምነቱ እዩ። “ነዝስ መን ነቕ የብሎ፧ ወዳጀ!” ዘብሎ ሓይሊ ክድልብ ሃተምተም ይብል፡ “ወይ ጎቦ ኹን ወይ ምስ ጎቦ ተጸጋዕ” ክሳዕ ዝበሃለሉ ይመልኽ – ነትን እናደስከለ፡ ነትን እናጸግዐ፡ ነትን እናኣጥፍአ፡ ነትን እናመቁሐ፡ እናጨፍለቐ። ደፋእ እናበለ፡ በኻይዳ ጎብየ – ምስ ጊዜ “ጎናይ ዝበለ ይተሓጎም” ድማ፡ ሕጊ እታ ምድሪ ይኸውን።

ዓበይቲ ኣኽራን ከይተረፉ ግና፡ አንዳተሸራረፉ ይፈርሱ እዮም። ወሓይዝ፡ ምስናይ ናህሮም ብዝዘበጥዎም መጠን እንዳተባሕጎጉ፡ እንዳነቕዑ ይፈራኸሱ። እቲ ውሒዝ ግን ከም ቀደሙ ይቕጽል። ምውሓዝ ኣየቋርጽን። እቲ ሒደት ንሓጺር ጊዜ’ምበር ንነዊሕ እዋን ንሓፋሽ ረጊጹ ክቕጽል ኣይኽእልን። ሓይሊ ኣብ እታ ሓቂ እምበር፡ ሓቅስ ኣብቲ ሓይሊ ኣይኮነን ዚርከብ። እዚ ባህርይ ኣይፈቕዶን፡ ታሪኽ’ውን ብግልጺ መስኪርዎ ኣሎ። ስለዚ ርእስና ኣይነውድቕን፡ ኣይንሕለልን። ንሓቂ፡ ንፍትሒ፡ ንማዕርነት፡ ንግዝኣተ-ሕጊ መጎተናን ቃልስናን ንቕጽል። ነቕልብ፡ ጊዜ ኣብ ጸግዒ ብዙሓት’ዩ፡ ጊዜ ኣብ ጎኒ ደላይ ፍትሒ’ዩ፡ ጊዜ መሓዛናን ፈታዊናን’ዩ።

በቲ ግዳማዊ ትርኢቶምን ባህርያቶምን ማይ ካብ ከውሒ ይሕይል ኢልካ ክትግምቶ ኣዝዩ ዘጸግም እዩ። ክውሒ ንጽንዓት፡ ጅግንነት፡ ንምግላጽ ንጥቀመሉ፡ ብኣንጻሩ ንማይ ከም መግለጺ ብርታዔ ኣይዝውተርን።

ንጣብ ማይ ዝፈርሆ የልቦን፡ ተናዓቓይ’ዩ።

እቲ ዘገርም ግን፡ ዘየቋርጽ ንጣብ ማይ ንኸውሒ ከይተረፈ የዕሙቖን ይነድሎን። እቲ ምስጢር ሓይሊ ማይ ግና፡ እቲ ቀጻልነቱን እቲ ኣንፈቱን’ዩ።

ቀጻልነት ዘለዎ፡ ኣንፈቱ ዝፈልጥ ተቓውሞ ንምልኪ፡ ካብኡ ብዝተዓጻጸፈ ንዝገዝፍ ዓርሞሸሽ ሓይሊ ከይተረፈ ይድዕምኾ። ነዚ ክንርድኦ ርሑቕ ምኻድ ኣየድልን፡ ናይ ገድሊ ታሪኽና ብቑዕ ምሳሌ እዩ። ብኣዝዮም ሒደት “ሸፋቱ” ኣናተባህሉ ዝጀመረ ፍትሓዊ ቃልሲ ኤርትራ፡ ነቲ ብልዕሊ 20 ዕጽፊ ዝዓብዮ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዓስኪሩ ዝመጸ ኣማኢት ኣሽሓት ሰራዊት፡ ቁጽሪ ዜብሉ ከበድቲ ኣጽዋርን ታንክታትን፡ ደገፍ ኩሎም ዓበይቲ መንግስታት በብጊዜኡ (ኣሜሪካ፡ ሕብረት ሶቭየት ነበር፡ እስራኤል . . .) ኩሎም ኣላሽ ዘበለ፡ ሕፍረት ዝመልኦ ናይ ስዕረት ካባ ኣልቢሱ ከም ዘባረሮ ናይ ቀረባ ተዘክሮ እዩ።

ሎሚ ግና፡ ሃገርና ኤርትራ እቲ ኹሉ እተጋደለላን፡ ኣካሉ ዝደመየላን፡ እተሰዋኣላን፡ ዝሰንከለላን፡ መላእ ደላይ ፍትሕን ሓቅን ዝፈርሆ ዝነበረ ወሪድዋ’ሎ። ታሪኽ ሃገርና ልክዕ ከምቲ “ተመክሮ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ካልኦት ብዓቢ ተስፋ ዝጀመራን ካብ መግዛእቲ ዝተገላገላን ዕውት ቃልሲ ዘካየዳን ሃገራት፡ ተመክሮ ምትካእ ኣረግቶት ጨቆንቲ ብሓደሽቲ ጨቆንቲ፡ ተመክሮ ምንቁልቋል ሃገራዊ ቁጠባን ናብራ ህዝብን ኣጓኒፍዋ ይርከብ። ዛጊት ተመክሮ ኤርትራ ተሞክሮ ፍሽለት ኮይኑ ይርከብ።”

ደምበ ፍትሒ ኸኣ ዝያዳ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣዝዩ ሰዊዱን ሓዪሉን ሰሲኑን ይርከብ። እዚ ደምበ ፍትሒ ቃልሱ ዝያዳ ኣድማዕን ዕውትን ዝገብሩ ረቛሒታት ግን ኣሎዉ። ዘስልጥ ቃልሲ ኣሎ፡ ዘድክም ወይ ዘየስልጥ ቃልሲ ድማ ኣሎ። ቃልስና ከም ብዕራይ መኼዳ ኣብ ዙርያ ሓድሕድና ኮይኑ ምእንቲ ከይተርፍ ዘድልዩና ብልሓታትን ስልትታትን ኣሎዉ። ገለ ኻብኦም ካብ ማይ ንመሃሮም። ንፍትሓዊ ቃልሲ ልክዕ ከም’ ንማይ ክዕወት ዝገብርዎ ክልተ ነገራት’ዮም፡ ቀጻልነትን ኣንፈትን። ልክዕ ከምቲ ማይ ብቐጻሊ ከየቋረጸ ምስ ዝነጥብ ኣኽውሕ ዝፈናቕል፡ ከምኡ ድማ ቃልስና ንፍትሒ ሰልክዩና ከይበልና፡ ከይተሓለልና “ነዝስ መን የነቓንቖ” ከይበልና፡ ትዕበ ትንኣስ እቲ ዓቅምና ዘበለ ከይቦቐቕና እናበርከትና ብዘገምታ ክንጎዓዝ ከድልየና እዩ።

ኣንፈት፡ ንጹር ራእይ ይሓትት። ነቲ ማይ ናብቲ እትደልዮ ንምብጻሕ ጻዕርን ብርሃንን ይሓትት፡ ተወፋይነት ይሓትት፡ ክእለት ይሓትት፡ ሜላ ይሓትት። ስለዚ ዛላታት ንዛሊ። ነስተውዕል፡ ንማይ ስዲ ይኺድ እንተሓደግናዮ ናብ ኩሉ ወገን’ዩ ዝፈስስ፡ ሓይሉ’ውን ይንኪ፡ ናህሩ ኸኣ ይጎድል፡ ኣንፈቱ ስሒቱ ከየስለጠ እዩ ዚተርፍ።

ገለ እዋን ከኣ ኣሎ፡ ጽቡቕ ክራማት ምስዝህሉ እቲ ብዝሒ ዝናብ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ነቲ ወሓይዝ ይመልኦ እሞ፡ እቲ ውሕጅ ኣዝዩ ብዝዛየደ ዓቕሚ፡ ብሓያል ናህሪ፡ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝተገተረ፡ መገዲ ዝዓገተ ኣኽራንን ጎቦታትን ብዓቢ ሓይሊ ይደራዕሞ፡ ሓሸምሸም የብሎ። ሻቡ እቲ ጎቦ ደው ክብል ዓቕሚ ኣይረክብን፡ ካብዚ ሃጽፊ ክኽወል ዝኽእል የልቦን።

ፍትሓዊ ቃልሲ እምበኣር፡ ኩሉ እዋን ካብ ድኻም እዩ ዚጅምር። እቲ ፍትሓዊ ባህሪኡ ግና፡ ህዝባዊ ምልዕዓል ይፈጥር እሞ፡ ንጹር ራእን ጽኑዕ መብጽዓን ምስ ዝረክብ ናብ ዓርሞሽሽ ሓይሊ ተቐይሩ፡ ነቶም ብሓይሎም ነቲ ፍትሒ ዝጓዕጸጹ ድማ ራዕ ኣቢሉ የውድቖም። ፍትሓውነቱ ክሳብ ዝሓለወ ድማ፡ ሚዛን ሓይሉ ይሕሉ። ፍትሓውነቱ ዘንጊዑ ብሓይሉ ክምካሕ ምስ ዝጅምር ግና፡ ዕጻኡ ከምቶም ቀዳሞት ሓያላት ነበር ይኸውን። እዚ እዩ ዓንኬል ፍትሕን ሓቅን።

ኣብዚ እዋን፡ ውርደት ህዝቡ ዘተሓሳሰቦ፡ እቲ ንናጽነት እተኸፍለ ክቡር ዋጋ ክሳራ ኮይኑ ክተርፍ ዘይደሊ፥ ህዝብና ድማ ሓርነት ከስተማቕር ዝምነ፥ ግፍዕን ዓመጻን ዝጽየፍ፥ ሕልና ዘለዎ ፍትሓዊ ቃልሲ ተበጊሱ ኣሎ። እዚ ከም ማይ ለመም ዚብል ዘሎ ሓይሊ፡ ንጹር መሪሕነትን ትኩር ኣቓልቦን ምስዚረክብ፡ ነዚ ሓያል ዝመስል ዘሎ ግናኸ ቦኽቧኽ ሓይሊ ዓመጽ ሃደሽደሽ ከምዘብሎ ጥርጥር የልቦን እሞ፡ ሃየ ደቂ ጓል ዓደይ ኣቓልቦና ኣይንስሓት፥ ሃየ ንመዓራረ ንሰራዕ፥ ንረአአ ኣይንገዳዳዕ።

ኣይፋል ንተሞክሮ ፍሽለት።
ዓወት ንደላይ ፍትሒ። ዓወት ንሓፋሽ ህዝቢ ኤርትራ!

Print Friendly, PDF & Email