ሪሒብ ልቦናን ምትዕጽጻፍን ዝጠልብ ሓድሽ መድረኽ: ብኪሮስ ዮውሃንስ

ሒብ ልቦናን ምትዕጽጻፍን ዝጠልብ ሓድሽ መድረኽ

ኣብ ሰዓተይ ‘የ ኣብ ቦታ ኣኼባ ተረኺበ። መደብ ብሰዓቱ ክጅመር ይኽእል ኢዩ ዝብል ትጽቢት ግና ኣይነብረንን። ከም ኣዋድቓ ዒባ ዘርጠብ ዘርጠብ ምባል ከም ባህሊ ኣታኣታቲናዮ ኢና። ሩሑቕ ከይከድን ኣብ መርዓ “ መርዑት ኣትዮም ዶ?” እንዳበልካ ዘሎ ሰሓቦ ጉቶቶ ንግዜ ዘሎና ሚዛን ገና ኣይተዓረየን። ሎሚ ግና ብዛዓባ ግዜ ኣይኮንኩን ክጽሕፍ። እንታይ ድኣ እዚ ህጹጽ ሃገራዊ መድረኽ ብኸመይ ንገጥሞ ኣሎና? ሓሳበይ ፈይ ከብል ስለ ዝደለኹ ኢዩ። እዚ ትኽ ዕጽቅ ዝበለ ዘይቋሰ ጽሑፍ ከኣ ኣይብርሃንን ኢዩ። ኣብ መንጎ መንጎ መቃምምቲ ፈይ ፈይ እንተበልካሉ ኢዩ ጽሑፍ ሙቁር ዝኸውን።

ኣዳራሽ ክራውን ፕላዛ ነቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ኣኼባ ከሰተናግድ ድልው ኢዩ ነይሩ። ገና ኣእጋረይ ከይኣተኹ “ ዓደይ ዓዲ ጀጋኑ “ ዝብል ሙኡስ ዜማ ነፍሲሔር ኣቶ ብርሃን ሰጊድ ምስ ሰማዕኩ ዓደይ ዘለኹ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። እቶም ድሮ ሰዓቶም ኣኺቢሮም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝተረኸቡ ኣሕዋት ሰላም ክንበሃሃል ጀሚርና። ተጋደልቲ ጀብሃ – ጀብሃ ኣብ ሜዳ ዘልመደቶም ባህሊ ኢዩ መስለኒ ከይሰልክዩ ኣብ ኣኼባ ክሳተፉ ምርኣይ እዚ ሓድሽ ወለዶ ነዚ ባህሊ እዚ እንተዝወርስ ኢለ ንነብሰይ ሓምየ ወጃዕጃዕ ክንብል ጀሚርና። እቲ ሃለል ዝበለ ኣዳራሽን ወንበራትን ፡ነዚ ኩሉ ዝመልእ ሰብ ደኣ ካበይ ኢዩ ክምጽእ ? ስክፍታት ነይሩኒ። መድረኽ ተቀይሩ ኢዩ። ምስቲ መድረኽ ከኣ ነብስኻ ከተመዓሪሪ ኣሎካ። ርግጽ ኢዩ ነዚ ኣብ ምድላው ዝደኸሙ ኣሕዋት ስለ ዘለው ሞሳ ምምላስ ጽቡቕ ኢዩ።

ዶክ ዓንደብርሃን ብኣካል ረኺብዮ ኣይፈልጥን ኢየ። ኣብቲ ሎቢ ናይቲ ሆቴል ረኺበ ድማ ሰላም ኢለዮ። ስመይ ምስ ሓበርክዎ ከኣ ቆብ ኣቢሉኒ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ ዘበርክቶ ዘለኹ ናእዱእ ፈይ ኣቢሊለይ። የቀንየለይ ኢለ ብዙሕ ክሕዞ ኣይደልኹን።

ኣዳራሽ በብሓደ ክመልእ ጀመረ። ብሓቂ ተስፋ ዝህብ መድረኽ ኢና ኣቲና ዘሎና። ኣብቲ ኣዳራሽ ካብ ዝተፈላለዪ ውዱባት ኣብ ሓደ መኣዲ ሃገራዊ ዘተ ተኣኪቦም ምርኣይ ድማ ኣዝዩ ባህ የብል። ሓው ሰመረ ሃብተማሪያም ምስ ካልኣዩ ካብ ዳላስ ዘዊሩ ምምጹኡ ድማ ምልክት ተወፋይነቱ ኢዩ።

ድሕሪ ሃገራዊ መዝሙር ምዝማር ተጋዳለይ በርሀ ሓጺር መእተዊ ብዝዕባ ዶክ ዓንደብርሃን ምስ ኣቅረበ፥ ሓው ኤፍሬም ከም ወግዒ ባህልና ንዶክ ዓንደብርሃን ብሓንቲ ቆልዓ ዕታር ዕንበባ ኣበርኪትሉ። ዶክ ዓንደብርሃን ኮፍ ኢሉ መድረኡ ከስምዕ ንተኻፈልቲ እቲ ኣብቲ ኣድራሽ ዝነበረ ብትሕትና ብድሕሪ ምውካስ ድማ ናብ መደቡ ኣትዩ።

ዶክ ዓንደብረሃን ሃገርና ኤርትራ ኣትያቶ ዘላ ሓድሽን በዳሂ መድረኽን ኣብ ከባቢና እንዳዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጥንግናግ ጂኦ ፖለቲክስ ኣብ ውሽጢ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታትን መጻኢ ብድሆታቱን፥ ከሙእውን ንሕና ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ስደት ዘሎና ብኸመይ ክንገጥሞ ከም ዘሎና ሰፊሕ መብርሂ ሂቡ። ዶክ ዓንደብርሃን ኣብ ጂኦ ፖለቲክስ ዘሎዎ ውሁሉልን ዓሙቁን ኣፍልጡኡ በቲ ውሩቅን ሙቁሩን ትግርኙኡ ናብ ሰማዕቲ ምቅራቡ ዝነኣድ ኢዩ። እተን ደጋጊሙ ዝጸቅጠለን ሓሳባት ነዚ ሓድሽ መደርኽ ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ክንገጥሞ ከም ዘሎና ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓድነትና ወሳኒ ሙዃኑ ኢዩ ኣሚቱ።

ብድሕሪኡ ድማ ካብ ተሳተፍቲ ዝተፈላልየ ሕቶታት መሊሱ። ዝበዝሔ እቲ ሕቶታት እዚ ኤርትራ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ ወሳኒ መድረኽ ዘመላኽት ይንበር እምበር ሓደ ሓደ ሕቶታት ድማ “ ባንዴራ ህ.ግ” ትኣምን ዶ? እተን ኣብ ቃል መሕተትካ ቁርጽራጽ ዝበለ መሬት’ ዝበልካያን መብርሂ ዶ ምሃብካሉ ዝብል ሕቶታት እውን ይርከብዎም።

ንምንታይ’ዩ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ(paradigm shift ዘድልየና?

ሎሚ ኤርትራዊ ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ሓደ ነገር ዘሻቕሎ ኣሎ። ሃገርና ኤርትራ ናበይ ገጻ ኢያ ትኸይድ ዘላ? ብፍላይ ኢሰያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበሮ ዕዶትን ኣቡኡ ዘውስኦም ቃላትን “ ሓደ ሕዝቢ ኢና” ዶክ ኣብይ ካብ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና “ ካብ ሓደ መራሒ ሃገር ዘይትጽበዮም ዘረባታት ነቶም ደገፍቱ ዝነበሩ እውን ኣብ ዓቢ ምድንጋር የእትዎም ኣሎ። ማዕረ ማዕሪኡ እውን እቲ ዝተገብረ ክታማት በይናዊ ብሙዃኑ ዝኾነ ይኹን ሓቤሬታ ካብ ውሽጢ ዓዲ ስለ ዘይመጸ፥ ሓቤርታ ካብ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ክምርር ይግደድ ዘሎ ንሻቅሎት ኣዛይድዎ። ኣብ ገዛእ ሃገሩን ጉዳዩን ተጓንዩ ክሳብ ክንድዚ ብመራሕቱ ምንዓቑን ፉጹን ኣይተውሓጠሉን ዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ማዕጹኡ ዓጽዩ “ እዚ ኩሉ መስዋእቲ ዝተኸፍለስ ነዚ ዲዩ ነይሩ” ዘይብል ኤርትራዊ እንተሎ ኣዝዩ ብኣጻብዕ ዝቁጸር ኢዩ። ስርዓት ኢሰያስ ከኣ ብጀካ ካብዚ ኣብ ስደት ዝነብር ህዝብና ገንዘብ ምሕላብ እምበር ክብረት ዝበሃል ከምዚይብሉ ኣግሂድዎ ኢዩ። እምበኣር ከም ደለይቲ ፍትሒ ግድምናና እንዳቆጸርና ንሕና ልክዕ ነይርና ንሱኹም ኢኹም ጌጋ እንዳበልካ ክልተ ጋንታ ፈጢርካ ምጓዓዝ ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራን ንድሕነት ሃገርን ክኸውን ከም ዘይክእል ንነብስና ከነእምና ኣሎና። ንጸላኢኻ ደገፍቱ እንዳውሓድካ በይኑ ጠልጠል ኢሉ ፍኹሶቱ ከነቀላጥፍ ከም ዘሎና ግሁድ ኢዩ። ሎሚ ኢሰያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ መዓልቲ ሰማዕታት ጥልመቱ ኣግሂድዎ ኢዩ። ስለዚ ነዚ ሓድሽ መድረኽን ብድሆን ብሓድሽ ሓሳብ ገጢምና ሃገርና ካብዚ ሽላ ስርዓት ኣድሒና ኩልና ከም ደቂ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኣቲና ሕሳባትና ክንገብር ክንየው ክንጥምት ንቅሰብ። እዚ ኢስያስ ኣብ ልዕሊና ኣዊጅዎ ዘሎ ስነ-ኣኣሙራዊ ኩናት ኣንቢብና በድሂናን እንተዘይሲዕርናዮ ግና ጽባሕ ብዛዕባ ሃገረ ኤርትራ ምዝራብ ትርጉም ኣብዘይቡሉ ኩነት ክንኣቱ ንኽእል ኢና።

ኣብ በብቱኡ ዝተፈላለየ ተበግስቶታት ቶግቶግ ይብል ኣሎ። እዚ ሰናይን ቅቡልን ኢዩ። እንተኾነ እቲ ምንቅስቃሳት ኣብ ሓደ ሰሚሩ ማዕበል እንተዘይፈጢሩ ዴሴታት ኮይኑ ጥራይ ኢዩ ዝተርፍ። ስለዚ ልቦና እንዳዕበኻን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ፖለቲካዊ ባይታ ምስ ፈጠርካ ብዘተን ልዝብን ክፍቱሑ ዝኽእሉ ነኣሽቶ ፍልልያት ንጎኒ ሓዲግካ ሎሚ ጽባሕ ዘይብሉ ነቲ ከጥፍኣና ብኣካይዳ ማንቲለ ዝዘልል ዘሎ ስርዓት ብኣሳጉማ ቺታ ጥራይ ኢና ክንስዕሮ ንኽእል።

ኤርትራውነት እንዳሓደረ ዝኹላዕ መንነት’ዩ
ኣምላኽ ንኤርትራ ይሓልዋ

ኪሮስ ዮውሃንስ

Print Friendly, PDF & Email