ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ (5ይ ክፋል): ናስር ዑመር ዓሊ

ባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ (5ይ ክፋል)

ናስር ዑመር ዓሊ
ናስር ዑመር ዓሊ

ኣብ ዝሓለፈ 4ይ ክፋል ናይ’ዚ ብ“ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ” ብዝብል ኣርእስቲ ብተኸታታሊ ዘቅርቦ ዘለኹ ጽሑፍ፡ ብዛዕባ ኣወዳድባ ኣኼባታት ናይ ደለይቲ ፍትሒ ገሊጸ ነይረ። ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ክንዲ ካብቲ ህግደፋዊ ዓይነት ውደባ ዝሓሸን ውርዙይን ዓይነት ኣኼባታት ዘዳልዉ፡ ነቲ ናይ ህግደፍ ኣወዳድባ ከምዘለዎ ብምቅዳሕ፡ ንህዝቢ ብደርፍን፡ ጓይላን፡ መስተን ክጥርንፉ ከምዝመርጹ ገሊጸ ነይረ። ከም ውጽኢት ከኣ ኣብ ከቢድ ዕዳ ይኣትዉ። ብተወሳኺ እቲ ኣብኡ ዝወዓለ፡ ኣብ ክንዲ ንጸጋማትና ፍታሕ ንምንዳይ ዝዝቲ፡ ሳዕሲዑን ሰኺሩን ብዘይ ቁምነገር ነናብ ዝመጾ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ከም ዝምለስ ኣረዲአ ነይረ።

ኣብ’ዚ ናይ ሎሚ 5ይ ክፋል ናይ “ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ” ጽሑፈይ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ብጕልባብ ሃይማኖትን፡ ዓሌትን፡ ብሔርን ተሓቢእካ ነዚ ዓማጺ ስርዓት ንምስሳይ ዝግበር ዓይነት ውዲት ክገልጽ ኢየ። እዞም ዓይነት ኣሳሰይቲ’ዚኦም ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለያ ማሕበራት ተጠርኒፎም ንህዝብና ኣንጻር ዓመጽ በቲ ዝመሰሎ ንኸይቃለስ ኣብ ክንዲ ዘተባብዑ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ክሊ ሓጹሮም ዝጋርትዎ ኢዩም። እቲ እዞም ምትእኽኻባት ዝሓርይዎ ቅጽል ኣስማት ከም ብዓል “ዓለም-ለኻዊ”፡ “ባይቶ”፡ “ካውንስል”፡ “ሲቪካዊ”፡ “ምትእኽኻብ”፡ “ኣሕዋት”…ወ.ዘ.ተ ዝብሉ ኮይኖም ብ “ኣመንቲ ሃይማኖት ምስልምና” ወይ’ውን ብ “ኣመንቲ ሃይማኖት ክርስትና” ወይ’ውን ብ ”ተወላዶ ደቂ እገለ” ዝብሉ ሓረጋት ዘብለጭለጩ ኢዮም።

ኣብቲ ንሳቶም ከም ሕጊ ማሕበር ኢሎም ዘውጽእዎም ሕግታቶም፡ ዳርጋ ኩሎም “ማሕበርና ካብ ፖለቲካ ነጻን፡ ጸግዒ ናይ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ምንቅስቃስ ኣይወስድን” ብምባል፡ ብንጹር ቋንቋ ኣስፊሮም ትረኽቦም። ንኸምስሉ ኣባላቶም ግን ብውልቂ ኣብ ዘዝመሰሎም ፖለቲካ ክሳተፉ ይኽእሉ ከኣ ይብሉ።

ቀንዲ ኣተኵሮ ናይዞም ምትእኽኻባት’ዚኦም፡ ንኣባላቶምን ደቆምን “ሃይማኖታውን፡ ባህላውን ቅርስታቶም” ንኸየጥፍኡ ንምሕጋዝ ኢዩ ዝብል። እቲ ካልእ ከም መርሓ-ግብሪ ኢሎም ዘቀምጥዎ ኣገዳሲ ነጥቢ ናይዚ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ከኣ “ማሕበርና ወላ ድኣ፡ ካብ ፖለቲካ ነጻ ይኹን እምበር፡ ኣብ ኣዚዮም ዓበይቲ ዝኾኑ ጉዳያት ሃገርና መርገጺ ንወስድ” ይብሉ። እዚ ማለት ከኣ ኣብ ኤርትራ ዓበይቲ ነገራት ንኸይኽሰቱ ይከታተሉን፡ ኣብ ዝኽሰትሉ እዋን ከኣ ምስ ኣባላቶም ብምምኽኻር ብጥርኑፍ መርገጺኦም ብቅጽበት የነጽሩ ማለት ኢዩ። እዚ ማለት’ውን ነቲ ዝኽሰት ጉዳይ ብግቡእ ኣጽኒዖም፡ ንህዝብ ሃገርን ዝጠቅም እንተኾይኑ፡ ይድግፉ፡ ንህዝብን ሃገርን ዘብርስን ዘዕንውን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እንተኾይኑ ከኣ ይዅንኑ ማለት ኢዩ።

እቲ ኣብዚ ስዒቡ ዝመጽእ ባህርያዊ ሕቶ እምበኣር፡ እዘን ብገዘፍቲ ኣስማት ዝወቀባ ኤርትራውያን ማሕበራት፡ ነዚ ሃገርና ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ኣጋጢሙዋ ዘሎ ኣዚዩ ፈታኒ ኵነታት ብኸመይ ይሪእዎ ወይ’ውን ኣብ ምፍታሕ እንታይ ግደ ይጻወቱ ዝብል ሕቶ ኢዩ።

ሚዛናዊ ዝኾነ ፍርዲ ንምሃብ ነቲ በእዳዎም ኣብ ሕግታቶም ዘስፈርዎ ሕጊ ምርኣይ ይከኣል። ንኣብነት በቲ “መርገጺ ምውሳድ ኣብ ዘድልዮም ዓበይቲ ጉዳያት ሃገርና መርገጺ ንወስድ” ዝብል ወይ’ውን ከምኡ ዓይነት መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ሕግታቶም እንተድኣ ክንፈርዶም ፈቲና፡ ክንደይ ካብዘን ንዛረበለን ዘለና ኤርትራውያን ምትእኽኻባት እየን መንእሰያትና ኣብ ፈቀዶ ባሕሪ ኣብ ዝጥሕልሉ እዋን፡ ብስም እቲ ጽላልና ኢዩ ኢሎም ዝመላለስዎ ማሕበሮም ናይ ተቃዉሞ ድምጺ ዘስምዑ? ኣብቲ በብግዜኡ ዝገብርዎ ውሽጣዊ ኣኼባታቶም ከ ብዛዕባ እዚ ኣብ ዓድና ወሪዱ ዘሎ ዘይንቡር ኵነታት ከም ኣጀንዳ ኣቅሪቦም ይዝትይሉ’ዶ? ከም ሳዕቤን ናይዚ ከኣ ኣባላቶም ኣብቲ ብውልቂ ዝካየድ ምንቅስቃሳት እቲ ዝግባእ እጃሞም የበርክቱ’ዶ? ክሳብ ሕጂ ዘሎ ሓበሬታ ኣዚዩ ዘሰክፍን ተስፋ ዘቍርጽን ኢዩ። እቶም ኣባላቶም ኣብ ክሊ ዕብይ ዕብይ ዝበሉ ጥርናፈ ንኸይጥርነፉ፡ ብተበላሓትነት ሃንደስቶም ዝተጻወደሎም መጻወድያ፡ ጅሆ ተታሒዞም ኢኻ ትዕዘብ። እቶም ዝመርጽዎም ኣዚዮም ገዘፍቲ ኣስማት ከኣ ቃዲሮም ይተርፉ፡፡

እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ካልኣይ ሕቶ እምበኣር ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን ዘሎ ዝብል ሕቶ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ምኽንያት እቶም ነዘን ማሕበራት ዝመስረቱ ውልቀ-ሰባትን ጽልዋኦምን ኢዮ። መብዛሕትኦም ተራ ሰባት ኣይኮኑን። ኣዝዮም ብቀለም ዝጸገቡ ኢዮም። ወላ እንተዘይተመሃሩ ነይሮም’ውን ሳላ ስደት ዝረኸብዎ ተመክሮ እኹል ምኾነ ነይር። ከምቲ ብተኸታታሊ ዝገለጽኩዎ፡ እቲ ቀንዲ ጸገሞም፡ ኣብ ሓደ ወይ’ውን ካብ ሓደ ዓይነት ናይዞም ብጉጅለ ኣሳሰይቲ ዝምደቡ ኢዮም። ዝርዝር ሓበሬታ ናይዞም ዓይነት ኣሳሰይቲ እዚኦም ንምፍላጥ ዝሓለፈ ጽሑፋተይ ክትውከሱ ከም እትኽእሉ ከዘኻኽረኩም ይፈቱ።

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ እዘን ማሕበራት እዚአን ምስ መሰታአን ዝኾና ማሕበራት ናይ ጎረባብትና ሃገራት ምስ እተነጻጽረን ብጀካ ብስምን፡ ወይ’ውን በቲ ንሽሙ ዝጽሕፍዎ ሕግን፡ ወይ ከኣ በቲ ካብተን ዝቅመጡለን ሃገራት ብስም እቲ ጥርናፈ ዝትኮበሎም ገንዘባዊ ሓገዝ ወጻኢ ብኻልእ ረቋሒ ዘራኽብ የብለንን። ነተን ማሕበራት ብካልኦት ካብኦም ዝሓሹ ንከይምርሓ ብምስጋእ “ጥራሕ ድኣ ግራት ኣመንቲ እዚ ሃይማኖት” ወይ’ውን “ምትእኽኻብ ደቂ ወይ’ውን ተወላዶ ደቂ እገለ” ትበሃል እምበር ወላ ቃዲራ ትምበር ይብሉ። እቶም ኣዚዮም ብክፍኣት ሓንጎሎም ዝተሓጽቡ ከኣ ኵኖ ምቅዳር ሓሊፍ ወላ’ውን እሾን እንተብቆለ ኣይግዶምን።

ኣብ ዝመጽእ ጽሑፈይ ብዛዕባ’ቶም ካልኦት ክንፊ ኣሳሰይቲ ከቅርብ ክፍትን ኢየ። ክሳብ ሽ ዑኡ ሰላም ንኩሉኹም! ሼር ምባል ኣይትሕመቁ!

Print Friendly, PDF & Email