ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ (3ይ ክፋል): ናስር ዑመር ዓሊ

ባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ (3ይ ክፋል)

 

ናስር ዑመር ዓሊ

ኣብ ዝሓለፈ 2ይ ክፋል ናይ’ዚ “ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ” ብዝብል ኣርእስቲ ብተኸታታሊ ዘቅርቦ ጽሑፍ፡ ነቶም ነዚ ስርዓት ከም “ቦኽሪ ውላዶም” ቆጺሮም ዘይተኣደነ ደገፍ ዝህቡ ዘለዉ ኣሳሰይቲ ብሕጽር ብዝበለ መንገዲ ክገልጾም ፈቲነ ነይረ። ኣብቲ መግለጺየይ እዞም ዓይነት ደገፍቲ’ዚኦም ብባህሪኦም ብዙሕ ክፍኣት ዘይብሎምን፡ ነቲ “ንናትካ ሰብ ጌጋ ይግበር ኣይግበር ብዘገድስ፡ ኣብ ጎኑ ጠጠው በል!” ዝብል ኣስተምህሮ ቅዱሳን መጻሕፍቲ ብጌጋ ዝተረድኡን፡ ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ጌጋ ርዲኢቶም ከኣ፡ ነቲ “ጌጋ ትገብር ኣለኻ” ኢልካ ዓገብ ምባል ባዕሉ ምስኡ ደው ከም ምባል ኢዩ ዝቍጸር” ዝብል ሕቡእ መልእኽቱ ጎሲዮም፡ ነዚ ስርዓት የቍመልና ብምባልን፡ ዘይተኣደነ ድጋፍ ብምሃብን፡ ዕድሜ ናይዚ ዓማጺ ስርዓት ኣብ ምንዋሕ ዓቢ ግደ ከም ዝጻወቱ ዘለዉ ገሊጸ ነይረ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ 3ይ ክፋል ጽሑፈይ ክገልጾም ዝፍትን ዓይነት ኣሳሰይቲ ስርዓት ህግደፍ ከኣ ልክዕ ከምቶም ብጾቶም፡ ግዳያት ናይ’ዚ ዘሎ ስርዓት ኮይኖም፡ ካብኣቶም ፍልይ ዘብሎም ጉዳይ፡ ግዳያት ናይ’ቲ ሰውራ ኤርትራ ዝተኸተሎ ኣገባብ ኣወዳድባ ኢዮም። ብንጹር ቃላት ንምግላጾም፡ እዞም ዓይነት ኣሳሰይቲ’ዚኦም ነዚ ስርዓት’ዚ ዝድግፍሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ንህግደፍ ከም ኣባት ነፍሶም ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ህላወኦም ምስ ህላወ ህግደፍ ከም ዘተኣሳስርዎ ገይሮም ኢዮም ተመልሚሎም። ህግደፍ ኣሎ፡ ንሶም ኣለዉ። ህግደፍ የሎን ከኣ ህላወኦም ምስ ህላወ ህግደፍ ከም ዘብቅዕ ኢዮም ዝሓስቡ። ካልእ ኩሉ እምነታቶምን፡ ያታታቶምን’ውን ከምኡ። ኣብ ሓንጎሎም ምዝዛም ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ማለት ስዕረት “ኣምሓራ” ጥራሕ ከም ዝኾነን፡ እቲ ጕዕዞ ናይ’ቲ ዝተሰለፍሉ ቃልሲ ግን ገና ከም ዘይተዛዘመ ኢዩ።

መብዛሕትና ብዛዕባ ዋጋ ሰውራ ኤርትራ ክንሓስብ እንኮለና፡ እቶም ናይ ሂወትን፡ ኣካላዊን፡ ቁጠባዊን፡ ማሕበራዊን ማህሰይቲ ዝኸፈሉ ኢዮም ዝረኣዩና። እቶም መብዛሕትኦም ሂወቶም ከፊሎም ዝተሰዉኡ ወይ’ውን ናይ ንእስነት ዕድሚኦም ምእንታና ክብሉ ኣብ በረኻታት ኤርትራ ዘሕለፉ ኢዮም ዝረኣዩና፡፡ እቶም ካልኦት እንዝክሮም ከኣ እቶም ኣብ ቃልሲ ኣካላቶም ዝሰኣኑ፡ ገሊኦም ከኣ እቶም ብሰንኪ መስዋእቲ ኣለይቶም፡ ዘኽቲሞም ዝተረፉ ወለዶምን ውላዶምን፡ ገሊኦም’ውን ብሰንኪ ሰውራ ዓዶም ሓዲጎም ኣብ ስደት ዝበለዩን ኢዮም። ኩሎም’ዞም ዝጠቀስኩዎም ንስለ ፍትሒ ሓንሳብ ጥራሕ ዘይኮነስ፡ እንዳደጋገሙ ፍትሒ ክሳብ ዝነግስ ካብኡ ንላዕሊ ዋጋ ከም ዝኸፍሉ ብተግባርን ብዘየወላውል ቋንቋ ዘመስከሩ ስለ ዝኾኑ ግዳያት ዘይኮኑስ ጀጋኑ ምዃኖም ክንጸር ይግባእ፡፡

እቶም ግዳያት ሰውራ ዝበሃሉን መብዛሕትና እንዝንግዖምን ግን እቶም ኣብ’ቲ መስርሕ ቃልሲ ዝለዓለ ናይ ኣተሓሳስባ ማህሰይቲ ዝወረዶምን፡ እቶም ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ፡ እቲ ባህርያዊ ኣተሓሳስባኦም ኣጥፊኦም፡ ብሓንጎል ናይቶም ሓንጎሎም ዝሓጸብዎም ዝነብሩ ዘለዉ ኢዮም። ንኣብነት “ኣማኢት ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሓዘት መርከብ ኣብ ባሕሪ ጠሊቃ” ዝብል ዜና ክሰምዑ እንከለዉ፡ እቲ ከም ሰብ ከርእይዎ ዝግባእ ባህሪያዊ ስንባደ፡ ካብ ኣካላቶም ዘይኮነስ ካብ ኣካላት ናይቶም ሓንጎሎም ዝሓጸብዎም ኢዩ ዝምንጩ፡፡ ሓጸብቶም ተነቢዖም ይነብዑ፡ እተጽንቢሎሞ ከኣ ይጽምብሉ። ዕድል ረኺብካ እሂን ምሂን ክትብል እንተፈተንካ ከኣ አብቲ ኣርእስቲ ዘይኮነስ፡ መን ምዃንካን፡ እቲ ዘረባ ካብ ኣፍ መን ይወጽእ ኣሎ ኢዩ ዘገድሶም። ምሳኻ ብዛዕባ’ቲ ሓሳብ ንክሰማምዑ ወዲ ደምበኦም ክትከውን ኣለካ። ንዕኦም ቅኑዕ፡ ወይ ጌጋ ዝበሃል ነገር የሎን። ነቲ ዘሎ ስርዓት ክነቅፉ እንተድኣ ኮይኖም’ውን “ንናትካ ምስ ናትካ ኰይንካ ሕመዮ” ስለ ዝብሉ በቲ ኣዚዩ ጸቢብ መነጽሮም ኢዮም ዝርእይዎ። ኣብ መወዳእታ ከኣ “ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ፡ ዝባንካ ወዲ ሓወቦ ኣይርኣዮ!” ብምባል ንገዛእ ሓዎም ብምንጻግ ኩሉንትነኦም ነቶም ሓንጎሎም ዘበላሸዉዎም ኢዩ።

ልክዕ ኢዩ እዚ ናብዚ ዘይሰብኣዊ ደረጃ’ዚ ዘውረዶም ኣገባብ ኣወዳድባ ሰውራ ኢርትራ ኣብ ምውሓስ ናጽነት ኤርትራ ልዑል ግደ ተጻዊቱ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣንጻር ሰውራ ኤርትራ ኣትኪሎም ዝዋግኡ ዝነበሩን፡ ወይ’ውን ነቶም ስክፍታታ ዘነበሮም ባእታታት ብሜላ፡ ናብ ደምበ ሰውራ ከም ዝጽንበሩ ብምግባሩ ነቲ ጥበቡን ተበላሓትነቱን ኣድናቆት ዝግብኦ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:: እዚ ማለት ግን ነቲ እቲ እዚ ኣወዳድባ’ዚ ዝፈጠሮ ዝንቡዕ ርድኢት ብዛዕባ ሃገርን ሃገራውነትን ከም ውጽኢቱ ከኣ ዝተኸፍለን ገና ዝኽፈል ዘሎ ዋጋን ክንዝንግዖ የብልናን:፡ መኽሰቡ’ዶ ክሳራኡ ይበዝሕ ነይሩ ዝብል ሕቶ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ኤርትራ ተጸኒዑ ክምለስ ዘለዎ ሕቶ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ንሱ ፈጢርዎ ዘሎ ኩነት ግን እዚ ዝሰዕብ ክበሃል ይከኣል::

እዚ ጠፋእኩም ዝሰረቱ ኣወዳድባ’ዚ እቶም ቀዳሞት ግዳያቱ እቶም ደረስቱ ኢዮም። ከመይ’ሲ እቲ ካብ መራሕቲ ናይ ሓደ ዕዉት ሓርነታዊ ውድብ ናብ መራሕቲ ሓንቲ ልዑላዊት ሃገር ንኸይሰጋገሩ ቆሪኑ ሒዝዎም ዘሎ፡ እዚ ጸቢብ ኣተሓሳባ’ዚ ከምዝኾነ ፈጺመ ኣይጠራጠርን። ደገፍቶም እውን እንተኾኑ ኣብቲ ዝተገብረ ናይ 30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ይኹን፡ ኣብ’ቲ ስዒቡ ዝመጸ ታሪኻዊ ረፈረንዱም ከም ሰቦም “እወ ንናጽነት ሃገረ ኤርትራ” ኣድሚጾም ክነሶም ኣብ ኣተሓሳስቦም ግን ከም ዜጋታት ናይታ “እወ ንናጽነት!” ዘድመጹላ ሃገር ዘይኮኑስ፡ ብኣንጻሩ ከም ምእመናን ናይ’ቲ “ጠፋእኩም” ዝሕመረቱ ፖለቲካ መራሕቶም ብምዃን፡ ባህጊ ናይ ሓንቲ ብቅዋም እትመሓደር ደሞክራሲያዊት ሃገረ-ኤርትራ ፈጺሙ የብሎምን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ምስ’ቶም ሓጸብቶም ወጊኖም ደሞክራሲያዊት ሃገር ንኸይትምስረት ዝተፈላለዩ ምስምሳት ብምፍጣር መጋበርያ ናይ’ዚ ስርዓት ይኾኑ ኣለዉ::

ከም ዝፍለጥ እዚ “ጠፋእካ!” ዝሕመረቱ ራኢ መራሕቶም፡ ፈለማ ኣብ መንጎ ኣመንቲ ናይ ክልቲኦም ዓበይቲ ሃይማኖታት ሃገርና ዘይምትእምማን ብምፍጣር: ስዒቦም ከኣ ከከም ኣድላይነቱ፡ ጂኦግራፊያዊ ምጉዝዛያት ብምፍጣር: ሓደ ህዝቢ ኣንጻር’ቲ ካልእ ህዝቢ: ወዲ ከተማ ኣንጻር ወዲ ገጠር: መንእሰይ ኣንጻር ኣያታቱ: ምሁር ኣንጻር’ቲ ዘይተማሃረ: ሓደ ጾታ ኣንጻር እቲ ሓደ ጾታ: ገዲም ተጋዳላይ ኣንጻር ሓድሽ ተጋዳላይ: ተጋዳላይ-ነበር ኣንጻር ገባር: ዋርሳይ ኣንጻር ተጋዳላይ: ኮታ ዝኾነ ኣብ ክልተ ክምቀል ዝኽእል ነገር ብምንዳይ ንህዝብና ነንሕድሕዱ ከም ዘይተኣማመንን ከም ዝተፋነንን ብምግባር፡ ንነብሶም “ሰብኣይን ሰበይትን ዝተበኣሱሉ” መኣድታት ተኺሎም ኣብ ልዕሊ ህዝብና የሽካዕልሉ ኣለው::

ኣብ መወዳእታ ናይ’ዚ ናይ ሎሚ ክፋል ጽሑፈይ ክብሎ ዝደሊ፡ ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ፡ ኩኖ’ቲ “ዓሻ ዝተኸሎ፡ ለባም ኣይነቅሎን” ዝብል ሓቂ ሰጊርና፡ ነዞም ግዳያት ናይ ከምዚ ዓይነት ኣወዳድባ ዝኾኑ ዜጋታትና፡ ናብ ደምበ ደለይቲ ፍትሒ ንምምጻእ፡ ቁስልና ከይሓባእና ዓው ኢልና፡ ፈውሲ ኣብ ምድላይ ከነድህብ ከምዘለና፡ ንኹሎም ግዱሳት ተቃለስቲ ከዘኻኽር ይፈቱ።

ኣብ ዝመጽእ ጽሑፈይ ብዛዕባ’ቶም ካልኦት ክንፊ ኣሳሰይቲ ከቅርብ ክፍትን ኢየ። ክሳብ ሽ ዑኡ ሰላም ንኩሉኹም! ሼር ምባል ኣይትሕመቁ!

Print Friendly, PDF & Email